ልዕሊ 28 ተጋሩ ካብ ምዕራብ ትግራይ ተሰጒጎም።
- Share
- Share
- Share
- Share
ልዕሊ 28 ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተዓጅቦም ናብ ከተማ ሸራሮ ከምዝኣተው ተገሊፁ።
ስርዓት ብልፅግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ስምምዕ ፕሪቶሪያ ነቲ “ዘካትዕ” ዝበሎ መሬታት ትግራይ ብዝምልከት ብሪፈረንደም ጥራሕ ከም ዝውሰን፣ ናይ ደገ ዝብሃል ሓይሊ እንተይኾነ ሰራዊት ኢትየጵያ ከምዘሎ፣ ተመዛበልቲ እንተልዮም ናብ ቦትኦም ክምለሱ ከም ዝኽእሉ፣ ኤርትራ ሒዛቶ ዝብሃል መሬት ብውዕል ኣልጀርስ ዝተወድአ ከምዝኾነ፣ወዘተ ዝብሉ ምስ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝዋቓዕን ሓሶት ጠቐነታትን እዮም ኣቕሪቦም ኽንብል ምፅብፃብና ዝዝከር እዩ ።
ውዕሊ ፕሪቶርያ ይተግበር ተባህሉ ኣብ ዕፁው ገዛ ኣብ ዝግምገመሉ ዘሎ እዋን ተጋሩ ናይ ምብራር ሰጉምቲ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ሸራሮ ኣብሪሁ።
ድሕሪ እዚ እዩ እምበኣር ብሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ተዓጂቦም ናብ ከተማ ሸራሮ ዝኣተው ተጋሩ 6 ደቂ አነስትዮ ፣ 4 ህፃናትን ሓደ ናይ ሰነ ኣእምሮ ፀገም ዘለዎ ዝርከብዎም ልዕሊ 28 ወገናት ናብ ከተማ ሸራሮ ኣትዮም’ለው።
ቅድም ኢሉ እውን መሻርክቲ እቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወፍሪ ፅንተት ኸምዝፈፀመ ብሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ አሜሪካን ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዮማን ራይትስዎችን ዝተረጋገፀ ደመቀ ዘውዱ ዝኾነ ቻላቸው ኣባይ ዝተብሃለ ሰብ “ኣብ ወልቃይት ፀገደ ፀለምቲ ዝነበሩ ወረርቲ ከይዶም እዮም። ዝመፅእ ንቕበሎ ተፈናቓልን ወራርን የለን። ምኽንያቱ ኣብ ከባቢና ደም ኣፍሲሶም ወንጀል ሰሪሖም ሕጊ ጥሒሶም እዮም። ገሊኦም ኣብ ማይ ካድራ ጭፍጨፋ ፈፂሞም ናብ ሱዳን ዝኸዱ ከም ዘለው ንፈልጥ ኢና። ስለዚ እዞም ወንጀለኛታት እዚኣቶም ናብዚ ከባቢ መፅዮም ዝነብሩሉ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምኽንያት የለን። ካብ ድሕሪ ሐዚ ድማ ተደጋጋሚ ተዛሪብና ኢና ካብ ትግራይ ብዝመፁ ኣይንመሓደርን ኽብል ገሊፁ ምንባሩ ኣይርሳዕን ።
Related
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts to your email.
We write rarely, but only the best content.
Please check your email for a confirmation email.
Only once you've confirmed your email will you be subscribed to our newsletter.