Connect with us

News

ኣብ ኣላማጣ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ ወንጀለኛታት ተባሂሎም ።

Published

on

ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ ወንጀለኛታት ተባሂሎም ።

ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዝርከብ ሰራሕተኛ ሲቪል ሰርቪስ ደሞዝ ካብ ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ብምውሳዶም ጥራሕ ካብ መኣዲ ስራሕ ንክእገዱን ወንጀለኛታት ተባሂሎም ንክፍረዱ ተወሲኑ።

እቲ ውሳኔ ብወገን ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ኣላማጣ ተፈጻምነት ክህልዎ እዩ ተመሓላሊፉ ዘሎ።

ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ  አብ ከተማ አላማጣ  ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ ደሞዞም ብጸላኢ ካብ ዝውረር  ንግዜኡ ክጸንሕ ገይሩ ካብ  payroll ወጻኢ ብምግባር ደሓር ዝኽፈሉሉ መልክዕ ንክኽፈሉ ተዝገበር ዝብል ለበዋ ቀሪቡሉ ኣሎ።

ኣብ ኣላማጣ ዘሎ ሓይሊ ኣምሓራ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንትግራይ ይውግኑ ኣለዉ ብምባል እዩ ክእገዱ ወሲኑ ዘሎ።

ብካልእ ሓበሬታ ምምሕዳር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ከም ብሓዱሽ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምሃብ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ።እቶም  ናብ ታዕሊም ኣትዮም ዘለዉ ዕጡቓት  ነበር ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ምዃኖም ውን ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ ወንጀለኛታት ተባሂሎም ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ መደረ ዘስምዐ ኮሎኔል ኣየለ ጊሳ÷ ኣብቲ ታዕሊም ዝፍጠረሎኩም ዓቕሚ ናብ ታሕቲ ብምውራድ ኣብ ባይታ ንኽትትግብሩ ትፅቢት ይግበረልኩም ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ ኣሎ።

እቲ ሓላፊ
ክፍተታት እናተጠቐመ ሰላም እቲ ክልል እናዘረገ ዝርከብ ፅንፈኛ ጉጅለ ብምጥፋእ ልዕልነት ሕጊ ንኽኽበር ተግባር ተኮር ስራሕ ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ውን ተዛሪቡ።

ወሲኹ ድማ ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ዝዘልቕ ቆራፅነት ብምርኣይ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ኣብ ሓፂር እዋን ብምጥፋእ ሰላም እቲ ክልል ምርግጋፅ ቀንዲ ልኡኽቶ እዚ ተዓላሚ ሓይሊ ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቡ፡፡

እቶም ኣብ ኣምሓራ ከም ብሓዱሽ ዝዕለሙ ዘለዉ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ዝነበሩ ዕጡቓት ኣንጻር ፋኖ ንምውጋእ ዘይኮነስ ንካልእ ዕላማ ንምድላው ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብል ጥርጣረ እናቐረበ ይርከብ።

ኣብቲ መኽፈቲ ታዕሊም ዝተረኽበ
ምክትል ሓላፊ ሰላምን ፀፅታን ክልል ኣምሓራ ኣይተ በሪሁን መንግስቱ ዘስምዖ ዘረባ ውን ነዚ ዘራጉድ እዩ።
እቲ ሓላፊ ዕቤት ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ፀላእቲ ብዝተናወሐ ናይ ሽርሒ ፖለቲካ ካብ ውሽጢን ካብ ደገን ምትእስሳር ብምፍጣር ዝተዋደደ መገዲ ዕረፍቲ ኣልቦ ናይ ፅልኢት ጎስጓስ እናካየዱ ከምዝኾኑ ተዛሪቡ ኣሎ።

ፋኖን ብልጽግናን ኣንጻር ትግራይ እንትዋግኡ መሻርኽቲ ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ ፤ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ድማ ናብ ውግእ ከም ዘምርሑ ይፍለጥ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍጸም ብዘይምኽኣሉ ምስ መራሕቲ ትግራይ ናብ ውጥጥ ዝተመለሰ ብልጽግና ፤ ተመሊሱ ምስ ፋኖ ክዕረቕ ከም ዝደሊ ብወግዓዊ ማዕከናት ዜናኡ እናገለጸ እዩ።
ፋኖ እውን እንተዀነ ኣብ ከባቢ እቶም ብሓይሊ ዝተረወረሩ ቦታታት ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ጥይት ከይትኮስ ብምጥንቃቕ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣምሓራ ኣንጻር ብልጽግና እናተዋግአ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ሐዚ ብልጽግና ዝዕልሞሞ ዘሎ ሓይልታት ኣምሓራ ምስ ፋኖ ክዋግኡሉ ዘይኮነስ ፤ ትግራይ ዝተወረረ መሬታ ከይተሓትት ንምክልኻል ዝውዕል ሓይሊ ንምድላው ምዃኑ እዩ ዝእመን።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading