“ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝነበረ ናይ ምትእምማን ርክብ ተሸርሺሩ እዩ”- ህወሓት
- Share
- Share
- Share
- Share
ቀንዲ ዓንድታት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከይተፈፀሙ ምቕፃሎም፥ ኣብ ህዝብና ከቢድ ማሕሰይቲ የስዕብ ከምዘሎን ምስ መንግስቲ ፌደራል ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ምትእምማን ርክብውን ይሽርሽሮ ከምዘሎ ገሊፁ እዩ ።
ኣብ ጉዳይ ውዕል ፕሪቶርያ ስትራቴጂካዊ ገምጋም ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ብወገን መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ንዝቐረቡ ሓሳባት ህወሓት ብዝርዝር መብርሂ ሂቡ።
ብወገን መንግስቲ ትግራይ ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ቶኽሲ ሙሉእ ብሙሉእ ደው ምባሉ፤ ውሱን ሰብኣዊ ሓገዝ ምእታው ብኣወንታ ዝጥቀስ እኳ እንተኾነ ሐዝ’ውን ዕፅዋን ክባን መሊኡ ከምዘይተፈትሐ ፤ መብዛሕቲኦም መሰረታውያንን ዓበይትን ስምምዓት ከምዘይተፈፀሙ ብዝርዝር ከምዝቐረበ ኣፍሊጡ።
ተዛማዲ ዛዕባ ልዕሊ 28 ተጋሩ ካብ ምዕራብ ትግራይ ተሰጒጎም።
ብወገን ትግራይ ከበድትን ፎኮስትን ኣፅዋራት ከምዘረከበ እንተኾነ ግን ጎናጎኒ ዑጡቓት ኣምሓራን ኤርትራን ከምዘይወፁ።ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ ቤት መረበቱ ከምዘይተመለሰን፤ናይ 2014 ዓ.ም. ስሩዕ በጀትን በጀት ፕሮጀክትን ዘይምልቃቑ ስዒቡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ጥሮተኛታትን ክረኽብዎ ዝግባኦም ደሞዝን ክፍሊት ጥሮታን ከምዘይተውሃቡን ኣብ ከቢድ ሽግር ምህላዎም፤ ንዳግመ ህንፀት ብመሰረት ዝተኸተመ ስምምዕ ተግባራዊ ዘይምዃኑ ፤ ብመንነቶም ጥራይ ዝተኣሰሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዝነበሩን ካልኦትን ከምዘይተፈትሑ ዝብሉን ካልእን ብዝርዝር ከምዝቐረበ ውድብ ህወሓት ሐዚ ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፉ ኣፍሊጡ።
ብወገን መንግስቲ ፌደራል እቶም ዝተለመዱ ፁብፃባት ከምዘቕረበ ዝሓበረ ህወሓት ንቲ ውዕሊ ሰላም ንምትግባር ዝያዳ ተቐራሪብካ ብሓባር ንምስራሕ ፖለቲካዊ ዘተ ክካየድ ዘይምግባሩ ክፍተት ከምዝፈጠረን ሐዝ’ውን ግን ንቲ ውዕል ሰላም ዝያዳ ክኽበር ናይ ክልቲኦም ሓይልታት ድሌት ከምዝኾነን ናይዚ መቐፀልታ መድረኽ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከምዝካየድ ህወሓት ወሲኹ ሓቢሩ።
ብሓፂሩ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝርከቡ ደቂ ትግራይ ነበር ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ እውን ብቕልጡፍ ክፍትሑ ከምዝግባእ፥ ናይቲ ስምምዕ ቀንዲ ዓንድታት ከይተፈፀሙ ምቕፃሎም፥ ኣብ ህዝብና ከቢድ ማሕሰይቲ የስዕብ ከምዘሎን ምስ መንግስቲ ፌደራል ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ምትእምማን ርክብውን ይሽርሽሮ ከምዘሎ፥ እዙይ’ውን ንቐፃሊ ሰላም ከምዘይሕግዝ ብዝርዝር ቀሪቡ እዩ ዝብል እቲ መግለፂ።
ብሓፈሻ እቲ ኣኼባ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘለና ተኣማንነት ኣረጋጊፅና ኢና። እንትኾነ እቶም ዝተረሓሓቑ ቅዋማት ንምቅርራብ፥ ናይ ፖለቲካ ዘተ ሓዊሱ ቀፃሊ ምኽክራት ንምግባር ኣብ ስምምዕ በፂሕና ኢና። ብምዃኑ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘፈራረሙ ኮሚቴ መራሕትን ዓለምለኸን ኣህጉራዊን ተዓዘብቲን ኣብዘለውዎ ስምምዕ ዝተበፅሓሎም ምኽክራት ንምግምጋም ኣብዝቕፅል ሒደት ኣዋርሕ ኣኼባ ክፅዋዕ ስምምዕ ብምብፃሕ እዩ ክብል ገላፁ ።
Related
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts to your email.
We write rarely, but only the best content.
Please check your email for a confirmation email.
Only once you've confirmed your email will you be subscribed to our newsletter.